Additional Information

Additional Information

Account Navigation

Account Navigation

Currency - All prices are in AUD

Currency - All prices are in AUD
 Loading... Please wait...
Africa World Press & The Red Sea Press

ደም ዝተኸፍለሉ ባርነት/De Zitekefelelu Barinet by Rezene Habte (Tigrinya Edition)

$30.00

ደም ዝተኸፍለሉ ባርነት/De Zitekefelelu Barinet by Rezene Habte (Tigrinya Edition)

$30.00
SKU:
9781569026755
Quantity:
Share

Product Description

ደም ዝተኸፍለሉ ባርነት
ረዘነ ሃብተ
ካብ መእተዊ ዝተወሰደ
"ቀንድን መሰረታዊ ዕላማን ዛዕባን መጽሓፈይ፡ ነቲ ሕድሕድ ዝጋጮ ፖለቲካዊ ሕልምታትን ጉዕዞን ፍሽለትን ሰዉራ ኤርትራ
ካብ ዝተጸንዔ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ሓቅታት ተበጊሰ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ትንተና ምቕራብ እዩ። ቅድሚ ናይ ጣልያን መግዛእቲ፡
ኤርትራ ትብሃል ሃገር ትኹን ኤርትራዊ ዝብሃል ህዝቢ ኣይነበረን። እቲ ብጣልያን ኤርትራ ተባሂሉ ዝተፈልጠ መሬትን
ኤርትራዊ ተባሂሉ ዝተጸወዐ ህዝብን ኣካል ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ። ኣብ ዉሽጢ ናይ ልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ናይ ጣልያን
መግዛእቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራዉያን ተጋሩ ቅድሚን ድሕሪን ዉግእ ዓድዋ ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዞም ኣብ
ጎድኒ ኣሕዋቶም ተሰሊፎም ንጣልያን ከምዝመከቱ እዩ ዝፍለጥ እምበር ኣብ ዉሽጢ'ቲ መግዛእታዊ ስርዓት ጣልያን
ኤርትራዊ መንነት ይኹን ኤርትራዊ ሃገርነት ዝብሃል ነገር ኣይነበረን።

"መጽሓፈይ ካብ ዝተጠቐሰ ጭቡጥ ሓቅታት ተበጊሱ፡ ንኤርትራዉያን ኢትዮጵያዉነት መንነቶም ታሪኾም ክብሮም
መለለይኦም ስለዝኾነ ክኾርዑሉን ክሕበኑሉን ማዕረቶም ብደቡብ ዘለዉ ኣሓቶምን ኣሕዋቶምን ተጋሩ ዝብጽሖም መንነትን
እንታይነትን እምበር፡ ኢትዮጵያዉነት ንኤርትራዉያን መግዛእቲ፥ ጭቆና፥ ባርነት ኮይኑ ኣይፈልጥን፡ ንድሕሪ ሕጂ'ዉን
ክኸዉን ኣይክእልን። ኤርትራዉያን ንኢትዮጵያዊ መንነቶምን ክብሮምን ታሪኾምን ክሒዶም ጉጉይ ፖለቲካዊ ሕልሚ
ሓሊሞም ብናይ ወልደኣብ ወልደማርያምን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ርእሲ እንዳተመርሑ ንብዙሓት ኣሽሓት ተጋሩ ኣህሊቖም
ዉልቀ ምልካዊ ስርዓት ፈጢሮም ኣብ ህልም ዝበለ ሕሱም ባርነት ተደቕዲቖም ሰብኣዊ መሰላቶም ተገፊፉ ርሂጾምን
ጽዒሮም ዘፍረዩዎ ናይ ግሎም ገንዘብን ንብረትን ከይተረፈ ብኢሳያስ ተዓቂኑ ዝወሃቦም ህዝቢ ኮይኖም ይረከቡ ኣለዉ፡ እዚ
ኹሉ ወሪዱዎም ዘሎ መዓት'ዉን መስጣ ዝኸሓዱዎ ኢትዮጵያዊ መንነቶም እዩ።"

"ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንኢትዮጵያዊ መንነቱ ክሒዱ ይኹን ነጺጉ ኣይፈልጥን። ብሓጺሩ ኣነ ኢትዮጵያዊ ኣይኮንኩን ዝብል ቃል
ኣስሚዑ ኣይፈልጥን። ብጀካ በታ ንሱ ዝፈጠራ ኤርትራ፡ በታ ናይ ቀደም ኤርትራ ከም ሃገር ይኹን ከም መንነት፡ ከም
ወደባት ይኹን፡ ከም ወዲ ኣስመራ፡ ብሓጺሩ ከም'ቶም ኤርትራዉያን ዝጀሃሩዎን ዝምክሕዎን፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፈጺሙ
ቃል ኣዉጺኡ ኣይፈልጥን። ንኤርትራ ንሱ ከምዝፈጠራን፡ ኤርትራ ብጀክኡ ትርጉም ከምዘይብላን ኣመልኪቱ ብዙሕ ይጀሃር
እዩ [...]። ኢሳያስ ናይ መንነት ቅልዉላዉ የብሉን፡ ካብ ፖለቲካዊ ስልጣን ጨቢጦም ዝነበሩ ስድራ እዩ ተፈጢሩ።"

ብዛእባ ደራሳይ ረዘነ ሃብተ

ደራሳይ ረዘነ ሃብተ፣ ካብ 1974 ዓ.ም ጀሚሮም አባል ሓርነት ኤርትራ (ጀብሀ) ብምኾን ተጋዲሉ። ናብ ቃልሲ
ንምኽፋል ንሜዳ ዘአተወሉ ምክኛት አብ ገፂ 195 ከምዝ ዝቀጽል ጽሑፍ ገሊፆ አሎ፤ "ኣብ መወዳእታ 1974 ናብ
ጀብሃ ኣታሕሪር ኤርትራ (ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ) ተሰሊፈ ናብ ሜዳ ኤርትራ ንክወጽእ ዝተገደድኩሉ ይኹን ዝመረጽኩሉ
ምኽንያት፡ ካብ ኣረሜናዊ ስርዓት ደርግ ንምኽዋል እምበር ኢትዮጵያዉነት መግዛእትን ባርነትን እዩ ካብ ዝብል ስምዒትን
ኣረኣእያን ኣይኮነን ነይሩ። ኢትዮጵያዉነት ንኤርትራዉያን ክብርን መሰልን መብትን፡ ማዕርነትን ትምህርትን፡ ጸጋን ሃብትን
ብልጽግናን ምንባሩ ብዓይነይ ዝሪኦ ዝነበርኩ ጭቡጥ ሓቂ ስለዝነበረ፡ ነቲ ኢትዮጵያዉነት ባርነትን መግዛእትን እዩ እንዳተባህለ
ይፍኖ ንዝነበረ ዘይምኽኑይ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ክቕበልን ክጸዉርን ዝኽእል ርእሲ ኣይነበረንን።"

Category

History, Current Affairs/AFRICA

Trim Size

5.5 X 8.5

Page Count

 288

Publication Date

2020

Product Reviews

Find Similar Products by Category