Additional Information

Additional Information

Account Navigation

Account Navigation

Currency - All prices are in AUD

Currency - All prices are in AUD
 Loading... Please wait...
Africa World Press & The Red Sea Press

A Short History of Ethiopia/Eritrea Labor Union by Beyene Solomon

$29.95

A Short History of Ethiopia/Eritrea Labor Union by Beyene Solomon

$29.95
SKU:
978-1-56902-689-2
Condition:
New
Quantity:
Share

Product Description

“ኣቶ በየነ ሰሎሞን: ነዛ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት ዝሸፈነት፡ “ሓጺር ታሪኽ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያን ኤርትራን” ኢሉ ንንባብ ኣብቂዕዋ ዘሎ መጽሓፍ፡ ነቲ ካብ 1962 ክሳብ 1991 ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝካየድ ዝነበረ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ብብሩህ እትገልጽ ስለ ዝኾነት፡ ንታሪኽ ተመራመርትን ስለ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ንዚግደሱን ኣዝያ ኣገዳሲት ምንጪ እያ”።
—ስዩም ገብረእግዚኣብሄር (ዶ/ር)
ኒው ዮርክ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

“እዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ደራሲ ኣብ ኢሰኣማ ብመሪሕነት ዘሕለፍዎ ግዜን፡ ኣብኡ ቅድሚ ምብጽሖም ድማ ሰራሕተኛታት ብማሕበር ኣብ ምውዳብን ብማሕበር ኣብ ምጥርናፍን ዘበርከትዎ ትምልከት ዓብዪ ኣስተዋጽኦ ስለ ዘሎዋ፡ ናይ ሰራሕተኛ ጕዳይ ብዚምልከት፡ ተመራመርቲ ኣብ ዚገብርዎ መጽናዕቲ፡ ዓብዪ ጥቕምን መተካእታ ዘይርከቦ ናይ ሓበሬታ ምንጭን ብምዃና፡ ንዚመጽእ ትውልዲ ዝለገስዋ ዓባይ ገጸ በረኸት እያ”።
—ኣምባሳደር፡ ተፈራ ሃይለስላሰ
ምኒስተር፡ ምኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ጕዳይን፡ ኢትዮጵያ

“ኣቶ በየነ ሰሎሞን ነዛ ብጽፈት ዝተሰነደት መጽሓፎም ኪምስገኑ ይግባእ። እዛ መጽሓፍ፡ ግደ ጀጋኑ ሰራሕተኛታትን መራሕቶም ንዘልኣለም ከተንጸባርቕ ክትነበር እያ። እዛ መጽሓፍ፡ ኣካል ናይ ታሪኽ ሃገር ስለትገልጽ ድማ ግቡእ ትዅረት ክውሃባ ይግባእ። ‘ሰባት ታሪኽ እንደገና ክጽሕፉን ክልውጡን ይፍትኑ ይኾኑ፡ እቲ ሓቂ ግና ሓንሳብ ጥራይ እዩ ዚግለጽ’”።
—በርሀ ሃብተጊዮርጊስ (ፕሮፈሰር)
ሮዋን ዩኒቨርሲቲ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

About the Author

ኣቶ በየነ ሰሎሞን፡ መብዛሕትኡ ናይ ህይወት ዕድሚኦም ኣብ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት እዮም ኣሕሊፎሞ። ደራሲ፡ ናይ ኮንፈደረሽን ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ፡ መስራቲ ኣባል ኣብ ልዕሊ ምዃኖም፡ ከም ዋና ጸሓፊ ንክልተ ዓመት፡ ከም ፕረሲደንት ድማ ንሰለስተ ናይ ኣርባዕተ ዓመት እብረ፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ እናተመርጹ፡ ደርግ ኣብ ቀይዲ ክሳዕ ዘእትዎም፡ ብእምነትን ቅንዕናን ኣገልጊሎም።

Category: Biography, History/AFRICA

Page count: 318

Trim size: 6 X 9"

Publication date: 2020

 

 

 

Product Reviews

Find Similar Products by Category